ናይ ከተማ ሲያትል ዋተርፍሮንት ምቕያር

ከተማ ሲያትል ናይ ማእኸላይ ሲያትል ዋተርፍሮንት ኣብ ምህናፅ ይርከብ፡፡ እዚ ስራሕ ኣብቲ ማይ ከባቢ ናይ መንገዲ ፓርክ ህንጸት፣ ኣብ ኣላስካን ናይ መንገዲ ምድሪ ቤት ህንጸት፣ ፒር 58ን ፒር 62 ዳግማይ ህንጸት፣ ካብ ፒክ ፕሌስ ማርኬት ናብ ዎተርፍሮንት ዘራኽብ በሪኽ ናይ እግረኛ መንገዲ ንምህናፅን ካብ ዳውንታውን ኢሎት ቤይ ዘሎ ናይ ምብራቕን ምዕራብን መራኸቢ ምምሕያሽን ዘካትት እዩ፡፡ እዚ ጻዕሪ ዎተርፍሮንት ሲያትል ዝበሃል ኮይኑ $806M፣ ዝውድእ ናይ ብዙሓት ዓመታት ፕሮጀክት ኮይኑ ብ2025 ንክዛዘም ትጽቢት ይግበር፡፡ እዚ ድማ ብከተማ ሲያትል ቤት ፅሕፈት ዋተርፍሮንትን ሲቪክ ፕሮጀክተት ዝምራሕ እዩ፡፡

እዚ ሳይት ንምትርጓም ኣብ ላዕሊ እዚ ገጽ ኣብ ዘሎ ጎጉል ትራንስሌት “LANGUAGE” ዝብል ምረጽ፡፡

ስንክልና ንዘለዎ ሰብ ተወሳኺ ትርጉም ወይ ናይ መተርጎሚ አገልግሎት ንምሕታት ወይ መንበሪ ንምሕታት (206) 733-9990 / TTY Relay ናብ ደውል፡ 711.

Documents icon

ብዛዕባ እዚ መደብ ተወሳኺ ዝተተርጎሙ መረዳእታታት ንምርካብ እዞም ሰነዳት ርአ፡

ዋተርፍሮንት ሲያትል ፕሮግራም ካርድ - ጁን 2018